ኣብ ትግራይ ትምህርቲ ንምጅማር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘድሃበ ልዝብን ትዕዝብቲን ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ጉጅለ ሰብ ሞያ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣብ ክልል ትግራይ ትምህርቲ ንምጅማር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘድሃበ ልዝብን ትዕዝብቲን ኣካይዶም።

እቲ ጉጅለ ትዕዝብቲ ገይሩ ዘሎ ኣብ ዞባታት ማእኸላይን ሰሜን ምዕራብን ኣብ ዝርከባ ቀዳማይን ካልኣይን ኣቢያተ ትምህርቲ ከምኡ እውን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ቀፅሪታት ረን ዓድዋን ኢዩ።

በዚ ድማ ኣብተን ዞባታት ትምህርቲ ንምጅማር ዘለዉ ዘኽእሉ ኩነታታትን ኣቢያተ ትምህርቲ ብዘለወኦ ኩነታት ምስ ኣመራርሓ ስራሕን ሰብ ሞያን እተን ዞባታት ከምዝተዛተየ ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ምስ ርእሳነ መምህራን፣ ምክትል ርእሳነ መምህራን፣ ሱፐርቫይዘራት ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ ከምኡ እውን ምስ ኣመራርሓታት ዩኒቨርሲቲ ብዝተገበረ ልዝብ ትምህርቲ ንምጅማር ክዝከኣል ተሓቢሩ።

ብምዃኑ ዝተጓሉ መሰረታዊ እታወታት ተማሊኦም ኣብ ሓፂር እዋን ኣብተን ዞባታት ዝተቛረፀ ትምህርቲ ክጅመር ከምዝግባእ ኣብቲ እዋን ትዕዝብቲ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment