ኣብ ትግራይ ትማሊ 66 ወገናት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 07 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ትማሊ 586 ሰባት ምርመራ ላብራቶሪ ገይሮም 66 ወገናት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ካብዚኦም 10 ወገናት ካብ ማሕበረሰብ ማለት ምስ ዝተፈልጠ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ርክብ ዘይነበሮም፣ 4 ሰብ ሞያ ጥዕና፣ 8 ወገናት ንግልጋሎት ናብ ትካል ጥዕና ካብ ዝመፁ፣ 3 ወገናት ምስ ዝተፈልጠ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ርክብ ዝነበሮም፣ 4 ወገናት ምስ ዝተፈልጠ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ርክብ ዝነበሮም ኮይኖም ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩ፣ 37 ወገናት ድማ ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩን ጉዕዞ ታሪኽ ዝነበሮምን እዮም።

ሎማዓንቲ ናይ 3 ወገናት ሂወት ዝሓለፈ ኾይኑ 2 ካብ መቐለ 1 ኣብ ክትትል ሕክምና ዝነበሩ ወዲ 74 ዓመት 1 ድማ ብምርመራ ኣስከሬን ቫይረስ ኮሮና ዝተረኸቦም ወዲ 42 ዓመት፣ 1 ወገን ድማ ካብ ሽረ ብምርመራ ኣስከሬን ቫይረስ ኮሮና ዝተረኸቦም ወዲ 28 ዓመት እዮም።

ትማሊ39 ወገናት ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ 14 ወገናት ካብ ኣክሱም፣ 12 ወገናት ካብ መቐለ፣ 5 ወገናት ካብ ማይጨው፣ 5 ወገናት ካብ ሽረ፣ 3 ወገናት ካብ ሑመራ ብሓፈሻ 39 ወገናት ካብ ማእኸል መሐከሚ ቫይረስ ኮሮና ድሒኖም ከምዝወፁ ተገሊፁ።

ብሓፈሻ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ 28 ሺሕን 87 ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረሎም እንትኾኑ፥ ካብቶም ዝተመርመሩ ሰባት 1 ሺሕን 252 ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም።

ካብዚኦም 545 ወገናት ኣብ መሐከሚ ማእኸል እንትርከቡ ኣብ ክትትል ሕክምና ካብ ዘለው እቶም 28 ኣብ ቀሊል ክትትል ሕክምና፣ 9 ኣብ ፅኑዕ ክትትል ሕክምና 3 ድማ ኣብ ክትትል ከቢድ ፅኑዕ ሕክምና ይርከቡ ተባሂሉ።

ብሓፈሻ ክሳብ ሕዚ 697 ሰባት ካብ ቫይረስ ኮሮና ዲሒኖም ዝወፁ እንትኾኑ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ናይ 10 ወገናት ህይወት ከምዝሓለፈ ድማ ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment