ኣብ ትግራይ ተወሰኽቲ 12 ሰባት ቫይረስኮሮና ተረኺብዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 283 ሰባት ምርመራ ዝተገበረሎም እንትኸውን፥ 12 ሰባት ቫይረስኮሮና ዝተረኸቦም ከምዝኾኑ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍዐሊጡ።

እቶም ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኸፉ ዝተረጋገፁ ወገናት፥ 10 ደቂ ተባዕትዮን 2 ደቂኣንስትዮን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ዕድመ ናይቶም እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ከኣ ካብ 23 ክሳብ 61 ከምዝርከቡ እቲ ቢሮ ጥዕና ኣፍሊጡ።

7 ኣብ ማይ ካድራ ኮይኖም ጉዕዞ ታሪኽ ዝነበሮም እዮም።

5 ድማ ኣብ መቐለ ኮይኖም ኩሎም ጉዕዞ ታሪኽ ዝነበሮምን ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ 6 ሺሕን 851 ምርመራ ቫይረስኮሮና ዝተገበረሎም እንትኾኑ፥ 179‬ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣሎ።

18 ሰባት ድማ ካብቲ ቫይረስ ከምዝደሓኑ መግለፂ እቲ ቢሮ የመልኽት።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment