ኣብ ትግራይ ተቛሪፁ ዝነበረ ምቕያር ኣረጊት ባጤራ ብር ዳግም ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ተቛሪፁ ዝነበረ ምቕያር ኣረጊት ባጤራ/ኖት ብር ዳግም ተጀሚሩ።

እቲ ምቕያር ባጤራ ቀዳምን ሰንበትን ሓዊሱ ካብ ሎሚ 21 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ን14 መዓልታት ከምዝካየድ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

መንግስቲ ኣብቲ ክልል ብምኽኒያት ዝወሰዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ምቕያር እቲ ኣረጊት ብር ተቛሪፁ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዝተወሰነ ከተማታት እቲ ክልል ኣገልግሎት መብራህቲን ኢንተርኔትን ብምጅማሩ ኣብተን ከባቢታት ዘለዋ ባንኪታት ስራሕ ነክጅምራ ይግበር ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ብመሰረት እዚ እተን ባንኪታት ስራሕ ካብ ዝጀመራሉ ዕለት ጀሚሩ ቀዳመን ሰንበትን ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት እቲ ምቕያር ኣረጊት ብር ንክቕየር ሎሚ መዓልቲ ተወሲኑ ኣሎ።

እተን ባንኪታት ነቲ ውሳነ ንከፈፅማን ተግባራዊ ንክገብራን ብምሕባር፥ ኣብ ከይዲ እቲ ምቕያር ብር መምርሒታትን ኣሰራርሓታተን ከምዘለዉ ተግባራዊ ከምዝግበሩ ተገሊፁ።

ካብ ባንኪ ዝወፅእ መጠን ጥረ ገንዘብ ብዝምልከት ኣብ ዝተመሓየሸ መምርሒ ብመሰረት ዝተቐመጠ ተፈፃሚ ክኸወን ኣለዎ እውን ኢሉ።

ካብ 100 ሺሕ ክሳብ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዝቕየረሉ ገደብ ግዘ እቲ ምኽባር ሕጊ ቅድሚ ምጅማሩ ዝተዛዘመ እንትኸውን፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝቕየር መጠን ብር ትሕቲ 100 ሺሕ ብር ንዘለዎም ኢዩ ተባሂሉ።

እተን ባንኪታት ነዚ ዝከታተል ግብረ ሓይሊ ብምጥያሽ መምርሒ ብዝሓለወ መገዲ ንክሰርሓን ኣብ ሕድ ሕድ ጨንፈር ባንኪ ዝተጀመረሉን ዝተዛዘመሉን ዕለትን ዝተቐየሩ መጠን ገንዘብን ንብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ሪፖርት ንክገብራ ኣተሓሳሲቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment