ኣብ ትግራይ ብኹለ መዳይ መርኣያ ዝነበሩ መፍረይቲ ትካላት ቀልጢፎም ናብ ስራሕ ንክኣትው ክንድግፍ ኢና፥ ሚ/ር ዲኤታ ታረቀኝ ብሉልታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ለኸ መድረኽ ሲምፖዜም ምንቕቓሕ መፍረይቲ ትካላት ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣይተ ታረቀኝ ብሉልታ፥ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም።

ኣይተ ታረቀኝ፥ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ብብርኪ ሃገር  ዘሎ መፍረያይነት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ፣ ኣብ ኢንዱስትሪ ንዝሕቆፉ ሰራሕተኛ ሓይሊ ሰብ ንምዕባይን ብሓፈሻ ተወዳዳሪነት መፍረይቲ ትካላት ንምዕባይ ኣብ 2014 ዓ.ም ዝተጀመረ ትልሚ 10 ዓመት ኣዳልዮም ኣብ ስራሕ ከም ዝርከቡ ሓቢሮም።

ኣብ ትግራይ ውን ብፍሉይ ናህሪን ወነን ንምትግባር ድልዋት ከምዝኾኑ ብምግላፅ፥ ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪ ዝኾነ መፍረያይነት ሃኒፅና ዓርስና እንተዘይክኢልና እንጓዓዘሉ ዘለና ዓለም ክገድፈና እዩ ኢሎም።

ስለዚ ከም ፌዴራል መንግስቲ ትግራይ ሓዊስና ኣብ ኩሎም ክልላት ንሰርሕ ስለዘለና ትማሊ ብኹለ መዳይ መርኣያ ዝነበሩ መፍረይቲ ትካላት ቀልጢፎም ናብ ስራሕ ክኣትው ከም ፌደራል ኮነ ከም ክልል ብዝተወደበ ኣግባብ ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ቅድሚ ሐዚ ዝጀመርናዮም ደገፋት ካብ ፖሊሲ ምትዕርራይ፣ ተወሰኽቲ ተበግሶታት /ኢኒሼቲቫት ብምትእትታው ኣብ ሴክተር ኢንዱስትሪ መሰረታዊ ለውጢ ክነምፅእ ንሰርሕ ኣለና ምባሎም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment