ኣብ ትግራይ ብቫይረሰ ኮሮና ዝተትሓዙ 4 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ብቫይረሰ ኮሮና ዝተትሓዙ 4 ሰባት ተረኺቦም።

ቫይረሰኮሮና ተረኺብዎም ዘለው 4 ሰባት ካብ ጅቡቲ ናብ መቐለ ዝመፅኡ እዮም ተባሂሉ።

በቲ ቫይረስ ካብዝተትሓዙ እቲ ሓደ ወዲ 33 ዓመት ገናሒ መኪና ኢዩ።

እቶም ዝተረፋ ሰለስተ ድማ፥ ወዲ 28 ዓመት፣ ወዲ 25 ዓመትን ወዲ 24 ዓመትን ተሓጋገዝቲ ገናሒ መኪና ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ዛጊድ ኣብ ትግራይ ኣብ ምክልኻል መሰረት ዝገበረ ሰራሕ መኸተ እናተሳለጠ ምፅንሑ ዝገለፁ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ሓጎሰ ጎድፋይ ጎድና ጎድኒ ምርመራ 608 ሰባት ተገይሩ እዩ ኢሎም፡፡

ካብዚኣቶም ድማ እቶም 268 ሰባት ካብ ጅቡቲ ናብ መቐለ ዝመፅኡ እንትኾኑ፥ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም 4 ሰባት መቐለ ኣብ ዝርከብ ማእኸልመወሸቢ ዝነበሩ ኢዮም ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment