ኣብ ትግራይ ብልዕሊ 8 ነጥቢ 5 ሚልየን ብር ዝተሃንፀ ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሕ ፕሮጀክት ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ማእኸል ኣድያቦ ከተማ ዓዲ ሃገራይ ስነ ስርዓት ርኽክብ ብልዕሊ 8 ነጥቢ 5 ሚልየን ብር ዝተሃንፀ ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሕ ፕሮጀክት መስተ ማይ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ስነ ሰርዓት ዝተረኸቡ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ቀረብ መስተ ማይ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ታጠረ ሓዲስ፥ እቲ ተሃኒፁ ዘሎ ፕሮጀክት ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ምስ ዓለምለኸ ትካል መድሕን ህፃናት/የኒሴፍ/ ብምትሕብባር ዝተሰርሐ ኢዩ ኢሎም።

ካብ ልምዓታዊ ተራድኦ መንግስቲ እንግሊዝ ብዝተረኸበ ሓገዝ ህንፀትን ፅገናን ፕሮጀክት ቀረብ መስተ ማይ ከምዝተሳለጠ እውን ሓቢሮም።

ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሕ እንትኸውን፥ ዓቕሚ ሶላር 22 ኪሎ ዋትን ዓቕሚ ሓይሊ ሶላር ፓነል ድማ 35 ነጥቢ 1 ኪሎ ዋት ምዃኑ ኣገንዚቦም።

እዚ ድማ ንህዝቢ ከተማ ዓዲ ሃገራይ ዓብይ ሩፍታ ከምዝፈጥር ብምግላፅ፥ ግቡእ ሓለዋን ክንክንን ገይሮም ክትጥቀሙ ይግባእ ክብሉ መዝራቦም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment