ኣብ ትግራይ ብልዕሊ 400 ሚልየን ብር ዝተሃነፀ ዘበናዊ ፋብሪካ መፃረይን መዐሸግን ማይ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኣፅቢ ጣብያ ፈለገወይኒ ብልዕሊ 400 ሚልየን ብር ዝተሃነፀ ዘበናዊ ፋብሪካ መፃረይን መዐሸግን መኣድን ማይ ረዊና ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ።

እቲ ፋብሪካ ብበዓል ሃፍቲ ቦክረ ትጉሃን ክፍለማርያም ዝተሃነፀ እንትኸውን፥ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸቡሉ ከምዝተመረቐ ተገሊፁ።

እቲ ፋብሪካ ዝዓነወ ኢኮኖሚ ትግራይ ኣብ ምንቕቓሕን ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን እጃም ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

እቶም በዓል ሃፍቲ ምስ ሕብረተሰብ እቲ ኸባቢ ብምትሕብባር ፥ ካብ ኣፅቢ-ፀብዓይና-ኡሰት ዝወስድ 15 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን ኣኻውሕ ጨዲዱ ዝሓልፍ ናብ ዓፋር(ኩንባ) ዘሳግር መገዲ ፀፀር እውን ኣብ ምህናፅ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

ኣብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓላፊ ካቢኔ ሴክሪተርያት እግሪ ምትካልን ዳግመ ሕውየትን ትግራይ ብ/ጀነራል ተኽላይ ኣሸብር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ፋብሪካ ብሰንኪ ዘጋጠመ ኲናት ዝዓነወ ቁጠባ ትግራይ ዳግም ንምህናፅ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment