ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብልዕሊ 17 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ንዝህነፅ ፋብሪካ ስሚንቶ ተጎጋ ዝኸውን እምነ ኩርናዕ ሎሚ መዓልቲ ኣንቢሮም።
እቲ ፋብሪካ ስሚንቶ፥ ማሕበር ኣክስዮን ፋብሪካ ስሚንቶ ተጎጋ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ተጎጋ ዘህንፆ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ስለዝኾነ ህንፀቱ ንምጅማር ሎሚ 15 ሰነ 2015 ዓ/ም እምነ ሰረት ተነቢሩ።
ኣብቲ ኣብ መዓልቲ ሰማዕታት ዝተሳለጠ ስነ-ስርዓት ምንባር እምነ ሰረት ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳሕር ክልል ትግራይ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ተረኺቦም።
ኣቦ ወንበር ቦርድ ፋብሪካ ሲሚንቶ ተጎጓ ኣይተ ኣሸናፊ ሃይሉ፥ እቲ ፋብሪካ ብልዕሊ 17 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ካፒታል ዝህነፅ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕፅረት ሲሚንቶ ካብ ምቅላል ብተወሳኺ ብዝዕጠቖ ቴክኖሎጂ ኣብ ትግራይ ርኡይ ስግግር ቴክኖሎጂ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ፋብሪካ ስሚንቶ ተጎጋ ኣብ ዝትከለሉ ግራውቲ ዘለው ሓረስቶት ሰብ ብፅሒት/ሼር ክገብሮም ከምዝተወሰነ ምግላፆም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።