ኣብ ትግራይ ብልዕሊ 1 ቢሊየን ብር ዝተሃነፀ ፋብሪካ ቴራናይት ሰላም ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ብልዕሊ 1 ቢሊየን ብር ዝተሃነፀ ፋብሪካ ቴራናይት ሰላም ተመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ፌደራል፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ካልኦትን ተረኺቦም።

ነቲ ፋብሪካ ዝመረቑ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ፥ ተወዳዳራይ ዝኾነ ምህርቲ ብምፍራይ ዕብየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ግደ ሰብ ሃፍቲ ዝለዓለ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ኢንዳስትሪ ፌዴሪኢ ኣይተ ሐሰን መሓመድ፥ ሸርፊ ወፃኢ ንዕቤት ሓንቲ ዓዲ ወሳኒ ብምዃኑ ብቐፃሊ ካልኦት ፋብሪካታት ክህነፁን ብራኸ ትግራይን ኢትዮጵያን ክነረጋግፅ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ፋብሪካ ቴራናይት ሰላም ኣብ መዓልቲ  ልዕሊ 600 ካሬ ሜትር ቴራናይት ከምዘፍሪን ብኽለት ኣየር ዝከላኸሉ ካብ ሃገረ ጣልያንን ጀርመንን ዝመፅኡ መሽናት ዝተተኸለሉን ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

በዓል ዋና ፋብሪካ ቴራናይት ሰላም  ኣይተ ገብረመድህን ገብረማርያም፥ እቲ ፋብሪካ ዳግመ ህንፀት ክልል ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ግድኡ ከበርክት እዩ ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment