ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ብሄራዊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ 28 ሰነ 2015 ዓ.ም ከምዝወሃብ ተገሊፁ።
ኣብ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ሓፈሻዊ ፅሬት ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ምዘና ትምህርትን ብሄራዊ ፈተናን ኣይተ ክንፈ ፍሰሃ፥ እቲ ፈተና ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣብ ዝነበራ 75 ወረዳታትን 1 ሺሕን 7 ኣብያተ ትምህርትን ኢዩ ክወሃብ ኢሎም።
ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 60 ሽሕ ተምሃራይ ንፈተና ድልው ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ክንፈ፥ ወረቐት ፈተና ዛጊድ ኣብ ሰለስተ ዞባታት በፂሑ ከምዝርከብ ኣፍሊጦም።
ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ናብ ፈተና ዘይቀረቡ ተምሃሮ ድማ ኣብ 2016 ዓ.ም ከምዝፍተኑ ኣብሪሆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።