ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኣሸንዳን ማሪያን “ኣሸንዳ ንሰላም፣ ንሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ትግራይ ሎሚ መዓልቲ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ይኽበር ኣሎ።
እቲ በዓል ባህላዊን ሃይማኖታዊን ክብሪታቱ ብዝሓለወ መልክዑ ኣዋልድ ብናፅነት ዘኽብረኦ ኢዩ።
ካብ ሎሚ መዓልቲ 16 ነሓሰ ጀሚሩ ዝኽበር ቅንያት በዓል ኣሸንዳ፣ ማርያን ዓይኒዋሪን ምኽንያት ብምግባር ተቛሪፁ ዝነበረ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ይስረሐሉ ከምዘሎ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምግላፁ ይዝከር።
በዓል ኣሸንዳ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናት ኣብ ኣደባባይ ብነፃነት ምኽባር ጠጠው ኢሉ ከምዝነበረን ከምዝተሃሰየን ዝገለፀ እቲ ቢሮ፥ ኣብዚ ዓመት ብዝተወሰነ መልክዑ ንምብዓል ተሰሪሑ ኢዩ ኢሉ።
ስለዝኾነ በዓል ኣሸንዳ፣ ማሪያ፣ ዓይኒ ዋሪ እዚ ዓመት ሕውየትን ተረባሕነትን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምርግጋፅ ከም ዝስራሕ ተገሊፁ።
ኣቐዲሙ ዝተሰናደአ መርሃ ግብሪ እቲ በዓል ከምዝሕብሮ፥ ኣሽንዳን ሃይማኖታዊን ክብሪታትን ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ፅባሕ 17 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ክካየድ ኢዩ።
18 ነሓሰ ድማ ብምትሕብባር ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ትግራይን ትካል ገባሪ ሰናይ ፎሮም ኣክሽንን ዝተዳለወ ውድድር ጉያ ደቂ ኣንስትዮ 5 ኪሎ ሜትሮ ከምዝሳለጥ ተሓቢሩ።
28 ነሓሰ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንክካየድ በዓል ኣሸንዳ ጠመቱ ዝተዳለወ መርሃ ግብሪ ይገልፅ።
ካብዚኦም ወፃኢ ዝግበር ምድላውን ተግባርን ምኽባር በዓል ኣሸንዳ ካብ ኣፍልጦ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወፃኢ ከም ዝኾነ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ገሊፁ።
ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ዝኽበር ዘሎ በዓል ኣሸንዳን ማሪያን እንትኸውን፥ በዓል ዓይኒ ዋሪ ድማ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ብዝተፈላለዩ መደባት ካብ 24 ነሓሰ ጀሚሩ ክኽበር ኢዩ።