ኣብ ትግራይ ቋንቋ ግእዝ ብስሩዕ መርሃ ግብሪ ትምህርቲ ክወሃብ ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ቋንቋ ግእዝ ብስሩዕ መርሃ ግብሪ ትምህርቲ ንመሃብ ዘኽእል ምድላው ምግባሩ ቢሮ ትምህርቲን ትግራይን ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይን ኣፍሊጦም።

ዋና ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዶክተር ዳንኤል ተኹሉ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፁዎ፥ ኢትዮጵያ ብቋንቋ ዝተሓተሙ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ጥንታዊ ሕትመታት መፃሕፍቲ ብራና ኣለዉዋ።

ሓዱሽ ወለዶ እቶም ፅሑፋት ብምንባብ ባህሊን ቋንቋን ሃገሩ ከምኡ እውን ታሪኽን መንነትን ክፈልጥ ንምብርትታዕ ትምህርቲ ቋንቋ ግእዝ ምሃብ ኣድላዪ ኮይኑ ከምዝተረኸበ እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣብሪሆም።

ኣብዚ ተታሒዙ ዘሎ ዓመት 2013 ዓ.ም ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ኣቢያተ ትምህርቲ፥ ትምህርቲ ቋንቋ ግእዝ ንመሃብ ምድላው ከምዝተገበረ እውን ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከባ ቋንቋታት ትግርኛ፣ ኩናምኛን ሳሆኛን ቋንቋ ግእዝ ራብዓይ ቋንቋ ኮይኑ ኣብቲ ክልል ዝርከባ ቀዳማይ ብርኪ ኣቢያተ ትምህርቲ ንመሃብ፥ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ሓላፍነት ወሲዱ እናሰርሕ ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ ቢሮ ስራሕቲ ምምሃር ምስትምሃር ንኽጅምር ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እቲ ክልል ብኣዋጅ ምፅዳቑ እውን ኣዘኻኺሮም።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣይተ ባህታ ወልደሚካኤል፥ ትምህርቲ ቋንቋ ግእዝ ኣብቲ ክልል ዝርከባ ልዕሊ ክልተ ሺሕ ቀዳማይ ብርኪ ኣቢያተ ትምህርቲ ንምጅማር ምድላው መማህራንን መምሀሪ መፃሕፍቲን እናተገበረ ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ ትምህርቲ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ንምጅማር ትልሚ ከምዝተትሓዘ እውን ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment