ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ነበር ተዋጋእቲ ብዘላቕነት ንምጥያሽ ዕጥቂ ንምፍታሕን ናብ ማእኸላት ተሃድሶን ናይ ምእታውን ስራሕ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።
ካብ ሎሚ 12 ሕዳር 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ኣብ ትግራይ 75 ሺሕ ነበር ተዋጋእቲ መሊስካ ናይ ምጥያሽ ስራሕ ከመዝስራሕ ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ምግላፁ ይዝከር።
ብመሰረት እዚ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ስዒቡ ኣብ ቀዳማይ ዙር ነበር ተዋጋእቲ ናብ ንቡር ሂወቶም ናይ ምምላስ ስራሕ ኢዩ ብዕሊ ተጅሚሩ ዘሎ።
ብመስርሕ ዲዲኣር ኣቢሉ ናብ ንቡር ሲቪላዊ ናብሩኦም ብምምላስ፥ ኣብ ስላማዊ ናይ ልምዓት ስራሕቲ ንክንቀሳቐሱ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት፥ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ኣመራርሓ ኮሚሽን ተሃድሶ፣ ኣካላት ፀፅታ ክልል ትግራይ፥ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ኣባላት ክትትልን ቁፅፅር ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ተረኺቦም።