ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ምምዝባል ከምተፈጠረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ሕጊ ምኽባር ስዒቡ ዓበይቲ ፀገማትን ቅልውላውን ምግጣሙ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ገብረመስቀል ካሳ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ገሊፆም።

ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ ዝተዛዘመ እንትኸውን ገበነኛታት ናይ ምህዳን ስራሕቲ ይስርሑ ከምዘለው ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ምምዝባል ከምተፈጠረ ሓቢሮም።

4 ነጥቢ 5 ሚልየን ህዝቢ ህፁፅ ሓገዝ ከምዝጠልብ እውን ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከባ ሸውዓተ ዞባታት ኣብ ሹድሽቲአን ዞባታት ኣመሓደርቲ ከምተሾሙን ናይ ወረዳን ጣብያን ኣመራርሓ እናወደቡ ከምዝኾኑ ኣብታ ሻብዐይቲ ዞባ እውን ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚሩ ኣማሓዳሪ ከምዝሽየም ኣይተ ገብረመስቀል ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ 40 ሆስፒታል ዘለዋ እንትኾና ካብዚአን ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ኣርባዕተ ሆስፒታል ጥራሕ ኣንቡላንስ ከምዘለዋ ሓቢሮም።

ብብርኪ ክልል ቅድሚ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ምጅማሩ 269 ኣንቡላንስ ምንባረን  ብምግላፅ፥ ሕዚ ግን 31 ጥራሕ እየን ኣብ ስራሕ ዘለዋ ክብሉ ኣይተ ገብረመስቀል ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment