ኣብ ትግራይ “ሰብኣዊ ሓገዝ ኣይቐርብን ዘሎ” ዝብሉ ኣካላት ትርፊ ፖለቲካ ንምርካብ ሓሲቦም ኢዮም-ዶክተር ሙሉ ነጋ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ “ሰብኣዊ ሓገዝ ኣይቐርብን ዘሎ” ዝብሉ ኣካላት ትርፊ ፖለቲካ ንምርካብ ሓሲቦም ኢዮም ክብሉ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋ ተዛሪቦም።

እቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ስራሕ እንትጅምር ንዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ትኹረት ብምግባር ኢዩ እውን ኢሎም።

ይኹን እንበር ምክፍፋል እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝድለ ቅልጣፈ ንከይበፅሕ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ዕንቅፋት ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ናይ ፅዕነት መካይን ኣዕኒዩን ዝተረፋ ሒዙን ከምዝጠፍአ እውን ሓቢሮም።

ሓረስታይ እኽሉ ኣብ ዝዓፅደሉን ኣብ ዝእክበሉን እዋን እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ነቲ ፀገም ብምፍጣሩ ነቲ ሰብኣዊ ቀውሲ ምግዳድ ሓደ ምኽኒያት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብምኽኒያት እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ህዝቢ ብዘይ መብራህቲን ማይን ብምፅንሑ ንልዒል ፀገም ተቓሊዑ ኢዩ ዝበሉ ዶክተር ሙሉ÷ መንግስቲ ፌዴራል ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ምስ ጊዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ብቑርፀኝነት ይሰረሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘይቐርብ ዘሎ ኣምሲሉ ዝናፈስ ወረ እውን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ሰብኣዊ ሓገዝ ኣይቐርብን ዘሎ” ዘብል ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝውዝዑ ኣካላት ተርፊ ፖለቲካ ብምድላይ ዝፍፅምዎ ተግባር ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት መብራህቲ፣ ማይን ባንኪን ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ከምዝጀመረ ብምሕባር፥ ኣገልግሎት ኣብ ዘይጀመረሉ ከባቢታት መሃያ ንዘይተኸፈሎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንክኽፈሎም ይስራሕ ከመዘሎ ተዛሪቦም።

ትግራይ መሊስካ እግሪ ንምትካል ኣብ ዝግበር ከይዲ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣስተዋፅኦ ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment