ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2013 ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምስላጥ ምስ መንግስቲ ብምዃን ንሰርሕ ኣለና ኣብ ትሕቲ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት/ውሕመ ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያትን ሃንደበታዊ ሓገዝን ማርቲን ግሪፊት ገሊፆም።
እቶም መተሓባበሪ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝገበርዎ ዑደት ብዝምልከት ሎሚ መግለፂ ሂቦም።
መንግስቲ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ኣብ ቀረባ እዋን እኽሊ ዝፀዓና 120 ተሽከርከርቲ ክዝኣትዋ ከም ኣብነት ገሊፆም።
ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ቅልጡፍ ኣወሃህባ ደገፍ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ውሕመ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐራሪቡ ከምዝሰርሕ ሓቢሮም።
ኣብ ፃንሒቶም ቀዳማይ ሚኒስተር አብይ አህመድ ሓዊሱ እቲ ጉዳይ ምስዝምልከቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ከምዝተዛተዩ ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።