ኣብ ትግራይ ምኽፋት ባንኪ ገዳ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝነበረ ርክብ ኣብ ምጥንኻር ዝሕግዝ ኢዩ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብ1 ነጥቢ 1 ቢልየን ብር ካፒታል ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተመስረተ ባንኪ ገዳ ጨንፈር ኣብ መቐለ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ።

ኣብ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ብጣዕሚ ሰፊሕ እዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ወቕቲ ኩሉ ዓይነት ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ባንኪ ንህዝቢ ትግራይ ኣድላይ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ምኽፋት እቲ ባንኪ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር እውን ዝሕግዝ ከምዝኾነ ገሊፆም ።

ሎሚ ጨንፈር ባንኪ ገዳ ምኽፋት ጥራይ እንተይኮነስ ናይ ክልቲኦም ህዝብታት ርክብ ንምጥንኻር እውን ዝዓለመ እዩ ዝበሉ ቦርድ ዳይሬክተር ባንኪ ገዳ ሓሰን ሁሴን(ዶ/ር)፥ ምስ ህዝቢ ትግራይ ንምስራሕ ድልዋት ኢና ክብሉ ተዛሪቦም።

እቱ ኣብ መቐለ ተኸፊቱ ዘሎ ጨንፈር ካብ አዲስ አበባ ወፃኢ ፈላማይ ምዃኑ እውን ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment