ኣብ ትግራይ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምስ ሚኒስቴር ጥዕና ብምትሕብባር ኣብ 81 ወረዳታት ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ዘኽአል ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣብቲ ቢሮ ተወካሊ ዳይሬክተር ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ዓሶ ኣይተ ገብረመድህን ክንፉ፥ ኣብ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 2017 ዓ.ም ዝርገሐ ሕማም ዓሶ ናይ መውሳኽ ኩነታት ከምዝተርኣየ ገሊፆም።

ናይዚ ምኽኒያት ፅርየት ከባቢ ዘይምሕላው ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ክሌማዊ ለውጢ አውን መበገዚ እቲ ዘርገሐ ክኸወን ከምዝኽእል ኣገንዚቦም።

ስለዝኾነ ዝርገሐ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ልዕሊ 20 ሚሊየን ብር ደገፍ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

እቲ ደገፍ ኣብ 81 ወረዳታት ብምክፍፋል እቲ ሕማም ናይ ምክልኻል ተግባር ይካየድ ኣሎ ኢሎም።

ብተወሳኺ ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዛንዜራ ን37 ወረዳታት ብምውዛዕ ልዕሊ 2 ነጥቢ 6 ሚሊየን ንዝኾኑ ነበርቲ እቲ ሕማም ንክከላኸሉ ከምዝተገበረ መግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment