ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሃገር ብርኪ ዝወፅአ ሓድሽ ደንቢ መቆፃፀሪ ትራፊክ 557/2016 ድሕሪ 10 መዓልቲ ናብ ትግበራ ንምእታው ምድላዋት ከምዝወገነ ቢሮ ትራንስፓርትን መራኸብን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ታደለ መንግስቱ፥ እቲ ደንቢ መሰረታዊ ሕቶ ትራፊክ ፓሊስ ጥርንፍ ብዝበለ መልክዑ ዝምልስ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ካብ ትርጉም ክሳብ ዝርዝር ቕፅዓታት ዝሓዘ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም።
ኣብታ መጓዓዚያ ሓደ ሰብ ትርፊ እንተሃልዩ ብቲ ሓዱሽ ደንቢ መበገሲ ቕፅዓት 1 ሺሕን 500 ብር ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ እቲ ትርፊ ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ እንተኾይኑ ብዝሒ መጠን 100 ብር እናወሰኸ ከምዝኸይድ ኣብሪሆም።
ፀገም ትራንስፓርትን ሓደጋ ትራፊክን ብሕጊ ጥራሕ ምክልኻል ስለዘይክኣል ሕብረተሰብ ንሕሊናኡ ክግዛእ ይግባእ ኢሎም።
እዚ ቅድሚ ምትግባሩ፥ ንትራፊክ ፓሊስ፣ ቀፂሉ ድማ ኣብ መናሃርያታት ዝርከቡ መሓውር ትራንስፓርት እቲ ደንቢ ተረዲኦም ክትግብሩ ዘኽእል ስልጠና ከምዝውሃቦም ሓቢሮም።
ዳይሬክተር ቁፅፅር ድሕንነት ትራፊክን ምፅራይ ሓደጋታትን ኮማንደር ተስፋይ ገ/መድህን ብወገኖም፥ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ወርሒ 741 ሓድጋ ትራፊክ ከምዘጋጠመ ገሊፆም።
ብሰንኪ እቲ ሓደጋ፥ 187 ሞት፣ 373 ከቢድ ኣካል ጉድኣት፣ 182 ቀሊል ኣካል ጉድኣት ከምዝበፅሐ ኣብሪሆም።
ብመሰረት እዚ እቲ ደንቢ ሓደጋ ትራፊክ ንምክልኻል ከምዝሕግዝ ሓቢሮም።
ብመሰረት እቲ ሓዱሽ ደንቢ፥ ፍሉይ ድንጋገታት ዝብሃሉ ከም ብዘይመግንሒ ፍቓድ ምሽክርካር ዝመሰሉ፥ 5 ሽሕ ብር ከምዘቕፅዕን ብሸለልተኝነት ሓደጋ ዘብፅሐ ድማ ካብ ናይ ቤት ፍርዲ ቕፅዓት ብተወሳኺ ን6 ወርሒ መግንሒ መኪና ፍቓዱ ክእገድ ከምዝግበር ተዛሪቦም።
ሞት ዘብፅሐ ድማ ንሓደ ዓመት እግድ መግንሒ ፍቓድን 3 ሽሕ ብርን ሪከርድ ከምዝተሓዝ ከምዝተደንገገ ገሊፆም።
ኣብ ፅርግያታት ዝተፈላለዩ ነገራት ብምርጋፍ መንገዲ ዝዓፅው ድማ ካብ 2 ሽሕ ክሳብ 20 ሽሕ ብር ዘቕፅዕ ፍሉይ ድንጋገታት ከምዘለዎ ኣብሪሆም።
ሓድሽ ደንቢ መቆፃፀሪ ትራፊክ 557/2016 ድሕሪ 10 መዓልቲ እቲ ደንቢ ናብ ስራሕ ከምዝኣትው ዕላዊ ኮይኑ።