ኣብ ትግራይ ልዕሊ 5 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ግምት ዘለዎም ፍሪያታት ምግቢ ተኸፋፊሉ-ኣይተ ምትኩ ካሳ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ልዕሊ 5 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ግምት ዘለዎም ፍሪያታት ምግቢ ተኸፋፊሉ ኮሚሽነር ኮሚሸን ብሄራዊ ኣመራርሓ ስራሕን ሓደጋን ድልዉነትን ኣይተ ምትኩ ካሳ ገሊፆም።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ብምርካብ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ደገፍ ብዝምልከት መብርሂ ዝሃቡ እቶም ኮሚሽነር፥ መነግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መሻርኽቲ ብምክትሕብባር ሰብኣዊ ደገፍ ይህብ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ ቀዳማይ ዙር 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሰባት ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ብምዝኽኻር፥ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ዙር 5 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሰባት ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ክልል 170 ሺሕ 798 ሜትሪክ ቶን ምግቢ ከምዝቐረበን ነዚ ድማ ልዕሊ 5 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረሉን ሓቢሮም።

ኣብቲ ዝተገበረ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ደገፍ እቲ 70 ሚኢታዊ ብመንግስቲ 30 ሚኢታዊ ድማ ብመሻርኽቲ ከምዝተሸፈነ ኣብሪሆም።

ኣብ ሳልሳይ ዙር ደገፍ መንግስቲ ሓዊሱ ሽዱሽተ ኣካላት ተሳትፎ ይገብሩ ከምዘለዉ እውን ገሊፆም።

እቲ ከይዲ ሓገዝ ዕዉት ንክኸውን ምቹው ኩነታት ይፍጠር ከምዘሎ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment