ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 5 ሺሕን 265 በፃሕቲ ዓዲ ወፃኢ ኣብ ዝተፈላለዩ መስሕባት ቱሪዝም ዑደት ከምዘካየዱ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ገሊፁ።
ብተወሳኺ ልዕሊ 116 ሽሕ በፃሕቲ ውሽጢ ዓዲ አውን ኣብቶም መስሕባት ቱሪዝም ከምዝሃወፁ ተሓቢሩ።
መስሕባት ቱሪዝም ገረዓልታን ኣኽሱምን ብዝሐሸ ዝተሃወፁ እንትኾኑ፥ ሃወፅቲ ብማእኸላይ ንሰለስተ መዓልቲታት ፃንሒት ከምዝነበሮም ተገሊፁ።
ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ሃይላይ በየነ፥ እቶም ሃወፅቲ ኣብ ባህሊ፣ ሓድግን መንነትን ትግራይ ልዑል ግንዛበ ንክህልዎም ይስራሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።
ብተወሳኺ ዕንወት ሓድግታት ብዝግባእ ክፈልጡ ዘኽእል ስራሕቲ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።
ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ቁፅሪ ዑደተኛታት ወፃኢ ወሰኽ ዘርአየሉ ዓመት ምዃኑ ብምሕባር፥ ኣብዚ ዓመት ቁፅሪ በፃሕቲ ዓዲ ንምዕባይን ዝዓነዉ ሓድግታት ንምፅጋንን ምስ ዓለምለኻዊ ትካላት፣ ሚድያታት፣ ፍሉጣት ውልቀ ሰባትን ካልኦትን ናይ ምልላይ ስራሕቲ ይሳለጥ ከምዘሎ ተዛሪቦም።