ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ሃገር ለኸ ባዛር፣ ኤግዚቢሽንን ሲምፓዝየምን ደቀቕቲን ኣናእሽቱን ትካላት ንግዲ(ደኣንት) ካብ 18 ክሳብ 27 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ከምዝካየድ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊፁ።
“ደኣንት ንስራሕ ዕድል ፈጠራን ሕውየትን ትግራይ” ብዝብል ቴማመሪሕ ሓሳብ ከምዝካየድ ድማ ሓቢሩ።
ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ገብረመድህን ሓጎስ፥ ስራሕ ፈጠርቲ ዜጋታት ቀረብ ቴክኖሎጂ፣ ሕፅረት ጥረ ኣቕሓ፣ ሕፅረት ዕዳጋ፣ መስርሒ ቦታን ናይ ፍይናንስን ልቓሕን ፀገም ከምዘለዎም ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ኣብቲ ባዛርን ኢግዚቢሽንን፥ ኮሌጃት ቴክኒክን ሙያን ዘለዎን ቴክኖሎጂ ዘቕርባሉን ዘፋሉጣሉን ፣ ባንክታት፣ ዕቋርን ልቓሕን ማሕበራት ከምኡ እውን 300 ዝኾና ኣናእሽትን ደቀቕትን ትካላት ከምዝሳተፉ ገሊፆም።
መሃዝትን ስራሕ ፈጠርቲን መናእሰይ እውን ክሳተፉ እዩም ኢሎም።
ኣብ ዙርያ ዕድላትን ማሕንቖታትን ደኣንትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪታትን መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዝቐርበሉ ክልላዊ ሲምፓዝየም ከምዝሳለጥ ገሊጾም።
እቲ ባዛርን ኢግዝብሽንን ን10 መዓልታት ከምዝንሕን 100 ሽሕ ሰባት ክግብንዩዎ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎን ተሓቢሩ።