ኣብ ትካላት ፀፅታን ድሕንነትን ዝገበርናዮ ስራሕቲ ሪፎርም ኢትዮጵያ ዝምጥንን ዘበን ተሻጋሪን ትካላት ንምህናፅ ጠንካራ መሰረት ዘንበረ ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትካላት ፀፅታን ድሕንነትን ዝገበርናዮ ስራሕቲ ሪፎርም ኢትዮጵያ ዝምጥንን ዘበን ተሻጋሪን ትካላት ንምህናፅ ጠንካራ መሰረት ዘንበረ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ በዚ ጉዳይ ተረቋሒ ኢዩ ኢሎም።

ሓይሊ ኣየር መበል 89 በዓል ምስረትኡ የኽብር ኣብ ዘለሉ እዋን “ፀሃይ 2” ዝተብሃለትን በቲ ሓይሊ ኣየር ዝተሰርሐትን ኣውሮፕላን ንበረራ ብቕዕቲ ገይሩ ኣሎ ክብሉ እውን ገሊፆም።

እታ ኣውሮፕላን ግቡእ ብብቕዓት ምፍፃም ዘኽእል ቴክኖሎጂ ዝተዓጠቐት ኢያ  ኢሎም።

እዚ ድማ እቲ ሓይሊ ኣየር ኣብ 2030 ኣብ ኣፍሪካ ስሙይ ሓይሊ ኣየር ንምዃን ዝሓዞ ራእይ ዕላዊ ንምግባር ኣብ ቅኑዕ መገዲ ምዃኑ ዘርእይ ከምዝኾነ ገሊፆም።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment