ኣብ ትካላት ጥዕና ዝርከቡ መፅንሒ ኣዴታት ሞት ኣዶታት ንምንካይ ግደኦም እናተዋፅኡ ከምዝኾኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትካላት ጥዕና ዝርከቡ መፅንሒ ኣዴታት ሞት ኣዶታት ንምንካይ ግደኦም እናተዋፅኡ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ብምኽንያት ወሊድ ዘጋጥም ሞት ኣዴታት ንምንካይ ነባር መፅንሒ ገዛውቲ ንምጥንኻርን ብተሳትፎ ሕብረተሰብ ሓደሽቲ ክፍሊታት ንምህናፅን ዝተፋላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ዘሳተፈ መድረኽ ምኽክር ተኻይዱ።

ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ሞት ኣዴታት ንምንካይ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም።

ሞት ሞት ኣዴታት ንምንካይ ክፍሊ መፅንሒ ኣዴታት ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ብቖራፅነት ክስርሑ ከምዝግበኦም ኣገንዚቦም።

ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና ፈፃሚት ስራሕ መሪሕ ኣዴታትን ህፃናትን ዶክተር መሰረት ዘላለም ብግደአን÷ ሞት ኣዴታት ንምንካይ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ውፅኢት ከምዝተመዝገቡ ፀሪሐን።

ብስእነት ግንዛቤ፣ ምቹው ትራንስፖርት ዘይምህላዉን ስእነት ድልውነት ትካላት ጥዕናን ሕዚ እውን 50 ሚኢታዊ ዝኾና ኣዴታት ኣብ ገዝአን ንኽወልዳ ዘገድዱ ከምዝኾኑ ምግላፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment