ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዘሎ ክፋል ኣፍሪካ ኣብ 2024 ዝሐሸ ዕቤት ኢኮኖሚ ክምዝገብ ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዘሎ ክፋል ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2024 ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሐሸ ዕቤት ኢኮኖሚ ክምዝገብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ባንኪ ዓለም ገሊፁ።

እቲ ባንኪ ኣብ ዘውፀኦ ሓዱሽ ፀብፃብ÷ ብመፅናዕቲ ዘረጋገፆ ቅድመ-ግምት ዕላዊ ገይሩ።

ኣብ ፀብቡ ድማ ኣብ ዝተትሓዘ ዓመት ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ትሕቲ ሰሃራ ዝርከብ ክፍሊ ኣፍሪካ 3 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ማእኸላይ ዓመታዊ ዕቤት ኢኮኖሚ ከመዝግብ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝቕፅል ዓመት ብዝበለፀ ክብ ብምባል 3 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ማእኸላይ ዕቤት ከምዝህልዎ ትፅቢት ከምዝግበር እውን ተገሊፁ።

ባኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ  ከባቢ ዝተመዘገበ ማእኸላይ ዓመታዊ ዕቤት 2 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ዝነበረ እንትኸውን÷ ብዝተፀርሐ ቅድመ ግምት መሰረት ሎሚዘበን ዝሐሸ ምንቕቓሕን ዕቤትን ኢኮኖሚ ክምዝገብ ኢዩ ተባሂሉ።

ባንኪ ዓለም እቲ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንኽመሓይሽ ብዋናነት ዘቐመጦ÷ ኣብ ከባቢ ዝቕባበ ዋጋ እናከየ ስለዝኸይድን ነዚ ስዒቡ ድማ ነብስ-ወከፍ ኣታዊን ናይ ምግዛዕ ዓቕሚን ስለዝውስኽን ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment