ኣብ ትሑት ብርኪ ናብራ ዝርከቡ ዜጋታት ብላቕነት ተረባሕቲ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትሑት ብርኪ ናብራ ዝርከቡ ዜጋታት ብላቕነት ተረባሕቲ ንምግባር እናተሰርሐ ምዃኑ ፌዴራል ኤጀንሲ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ውሕስና ምግቢን ከተማታት ገሊፁ።

ካብ ሸሞንተ ክልላትን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ንዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያታት ሓደ ማእኸልን ምምሕያሽናብራን ኣብ ምኽሪን ሓገዝን ትኹረት ዝገበረ ስልጠና ኣሰልጠንቲ ኣብ ከተማ ኣዳማ ተዋሂቡ፡፡

ኣብቲ ፌዴራል ኤጀንሲ ዳይሬክተር ዘላቒ ምምሕያሽ ናብራን ኣይተ ቸሩ ሃይለጊዮርጊስ፥ ኣብ ዝኸፍአ ድኽነት ዝነብሩ ኣብ ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማ እናተሳተፉ ዝርከቡ ዜጋታት ናብረኦም ብዘላቕነት ንምምሕያሽ ስልጠናን ዝተፈላለዩ ሓገዛትን እናተውሃበ ይርከብ ኢሎም፡፡

ነዞም ዜጋታት ኣብ ከባቢያዊ ስራሕቲ ልምዓት ጎድና ጎድኒ ብዘላቕነት ናብረኦም ከመሓይሹ ዝኽእሉ ምዕቓር፣ ምኽሪን ሓገዝን፣ መሰረታዊ ትምህርቲ ስድራቤት፣ ናይ ባህሪን ክእለትን ዝበሉ ስልጠናታት በቢብርኩ እናተወሃበ ከምዝርከብ እውን ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ዙር እቲ ፕሮጀክት ተረባሕቲ እዋን ፃንሒቶም ስለዝዛዘሙ ብቲ ፕሮጀክት ዝልቀቕ 500 ዶላር ሓገዝን ኣብ ፃንሒቶም ብዕቋ ዘዋህለሉዎ ገንዘብ ከም መበገሲ ካፒታል እናተጠቐሙ ኣብ ከባቢኦም ብዝረኸቡዎ ሓገዝ ክገብሩሎም ከምዝግባእ ምግላፁ ካብቲ ኤጀንሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment