ኣብ ትልሚ 10 ዓመት ዘፈር ትራንስፖርት ባቡር ኢትዮጵያ ካብ ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ንምግባር ከምዝተሃቀነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትልሚ 10 ዓመት ዘፈር ትራንስፖርት ባቡር ኢትዮጵያ ካብ ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ንምግባር ከምዝተሃቀነ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ትራንስፖርት ተፀዋዕቲ ትካላት ዝኾኑ በዓል መዚ ጉዳያት ማሪታይም፣ በዓል መዚ ትራንስፖርት ፌዴራልን ማሕበር ኣክሲዮን መገዲ ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲን ኣብ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ትራንስፖርት ኣድሂቦም ዘተ ኣካይዶም።

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ጉዳያት ማሪታይም ኣይተ መኮንን ኣበራ ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝበሉዎ፥ ምልማዕ ደረቕ ወደብ ንዘፈር ውልቀ ውሽጢ ዓዲ ጥራሕ ዝተገደፈ እንተይኮነስ ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ እውን ክፍቲ ኢዩ።

ስርዓት ሎጂስቲክስ ብምዝማን ኣፈፃፅማ ዓለም ለኸ ኢንዴክስ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዝርከበሉ መበል 126 ደረጃ ናብ መበል 40 ደረጃ ንምዕባይ ዕላማ ከምዝገበረ እውን ኣብሪሆም።

ዋና ዳይሬክተር ማሕበር ኣክሲዮን ባቡረ ኢትዮ-ጂቡቲ ኢንጂነር ጥላሁን ሰረካ ብግደኦም፥ ኣብ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ዘፈር ትራንስፖርት ባቡር፤ ኢትዮጵያ ካብ ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ንምግባር ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።

ኣወዳድቡኡ ብምምሕያሽን ቴክኖሎጂ ብምጥቃምን ንተገልጋሊ ሕብረተሰብ ናብ ቅርታ ዘብፅሕ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ንምምሕያሽ ኣብ ትልሚ 10 ዓመት ከምዝተቐመጠ ድማ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ትራንስፖርት ኣይተ ኣብዲሳ ያደታ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ትራንስፖርት ረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment