ኣብ ቴክዮ ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝበረታታዕ ውፅኢት ኣመዝጊቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቴክዮ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝበረታታዕ ውፅኢት ኣመዝጊቦም።

ብደቂ ተባዕትዮ ታምራት ቶላ ብ2 ሰዓት 2 ደቒቓን 14 ሰከንድን ብምእታው ኣብቲ ውድድር ሳልሳይ ደረጃ ብመሓዝ ውድድሩ እንትዛዝም፥ ሹራ ቂጣታ 5ይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ፡፡

ኣብቲ ውድድር ኪኒያዊው ኤሉድ ኪፕቾጌ 2 ሰዓት 2 ደቂቃን 40 ሰከንድን ብምእታው ቀዳማይ ብምውፃእ ተዓዊቱ፡፡

ብደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር እሸቴ በከሪ ብ2 ሰዓት 17 ደቂቃን 58 ሰከንድን ብምእታው ካልኣይ ደረጃ ሒዛ እንትትዛዝም፥ ጎይተቶም ገብረስላሴን ህይወት ገብረኪዳንን 3ይቲን 5ይቲን ብምውፃእ ውድድረን ከምዝዛዘማ ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment