ኣብ ታንዛንያ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 60 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ታንዛንያ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 60 ኢትዮጵያውያን ብፍቓዶም ሎሚ መዓልቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ሓላፊ ዓለም ለኸ ትካል ፕሮግራም ስደተኛታት ኣብ ታንዛኒያ ዴቪድ ሆፍሜየር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ እቶም ስደታኛታት ብዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት፣ ኤምባሲ ኢተውዮጵያ ኣብ ታንዛኒያን ቤት ፅሕፈት ጉዳይ ስደተኛታት ታንዛኒያን ብዝገበሩዎ ምትሕብባር ኢዮም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡፡

እቶም ሓላፊ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብኣርባዕተ ዙር ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ መንግስቲ ስዊድን ንዝገበሮ ሓገዝ ገንዘብን እቶም ትካላት ንዝገበሩዎ ምትሕብባርን ኣመስጊኖም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment