ኣብ ታንዛኒያ ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ 126 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ታንዛኒያ ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ 126 ኢትዮጵያውያን ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ታንዛኒያ ኣቋሪፅካ ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝግበር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ብሓይሊታት ፀፅታ መንግስቲ ታንዛኒያ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እናወዓሉ ንማእሰርቲ ከምዝቃልዑ ይፍለጥ።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 126 ኢትዮጵያውያን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ታንዛኒያ ምስ ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ብምትሕብባር ናብ ሃገሮም ከምዝተፋነዉ ተገሊፁ፡፡

ዝተረፉ እውን ኣብ ቀፃሊ ብዝተቐመጠሎም መርሃ ግብሪ ጉዕዞ መሰረት ብምግባር ናብ ሃገሮም ንምምላስ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እቲ ኤምባሲ ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment