ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ታንዛኒያ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ዜጋታት ምስ ትካል ዓለም ለኸ ፍልሰኛታት ብምትሕብባር ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕቲ ከምዝጅመር ኣምባሳደር ሽብሩ ማሞ ተዛሪቦም፡፡
ብፕሬዝዳንት ጉባኤ ጳጳሳት ካቶሊክ ኢትዮጵያ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስን ሊቀ ጳጳስ ሃገረ-ስብከት ኣዲስ ኣበባን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ጳጳሳት ኢትዮጵያ÷ ኣብ መበል 20 ጉባኤ ጳጳሳት ካቶሊክ ምብራቕ ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ታንዛንያ ዳሬሰላም ኣምሪሑ፡፡
እቲ ጉጅለ ልኡኽ÷ ኣብ ታንዛንያ ብፍልሰት ኣብ ማእሰርቲን ዘኽፍእ ኩነታትን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ከምዝተገበረሉን ኣብ ፍታሕ ዘለዎም ሓሳባት ኣድሂቡ ከምዝተዛተየን ተገሊፁ፡፡
ኣምባሳደር ሽብሩ÷ ኣብ ታንዛንያ ከባቢ 5 ሽሕ ህፃውንቲን መናእሰይን ብዘይሕጋዊ መዘዋወርቲ ተታሊሎም ብዝኸፍአ ኩነታት ዶብ ታንዛኒያ ጥሒሶም ብምእታዎም፤ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ገሊፆም፡፡
ኣብቲ ማእሰርቲ ካብ ዝርከቡ ፍርቆም ንዓማውቲ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎም ዝተኣሰሩ እንትኾኑ÷ እቶም መብዛሕተኦም ድማ እዋን ማእሰርቶም ዛዚሞም ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዋሕዲ ገንዘብ ስለዘለዎምን ብመንግስቲ ታንዛኒያ ተሓባባሪነት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝፀንሑን ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ መናእሰይ መሰረታዊ ድልየት ከም ምግቢ፣ ማይን መሐለዊ ፅርየትን ብዝተኸኣለ መጠን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ሓገዝ ንክገብሩ ድማ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com