ኣብ ቦነስ ኣይረስ ዝተኻደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኣትሌት ገርባ ዲባባ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣርጀንቲና ቦነስ ኣይረስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ገርባ ዲባባ ተዓዊቱ፡፡

እቲ ኣትሌት ነቲ 21 ኪሎ ሜትር ብ1 ሰዓት 26 ሴኮንድ ብዝኾነ ሰዓት ክዕወት ክኢሉ፡፡

ኬኒያውያን ሙዋንጊ ኮስማስን ሪቻርድ ያተር ሪቻርድን 2ይን 3ይን ብምውፃእ ዛዚሞም፡፡

ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኬኒያዊት ኣትሌት ሩት ኬፐንጊች 1 ሰዓት 5 ደቒቕን 58 ሴኮንድን ብምእታው ከምዝተዓወተት ቦነስ ኤይረስ ታይምስ ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment