ኣብ ቦስተን ውድድር ውሽጢ ገዛ ኒው ባላንስ ጉዳፍ ፀጋይን ለሜቻ ግርማን ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቦስተን ውድድር ውሽጢ ገዛ ኒው ባላንስ ጉዳፍ ፀጋይን ለሜቻ ግርማን ተዓዊቶም።

ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ዝተወዳደረት ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ÷ ነቲ ርሕቐት ብ3 ደቒቕ 58 ሰከንድን 11 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምዝዛም ቀዳመይቲ ብምዃን ተዓዊታ፡፡

ኣብቲ ርሕቐት ጓል 18 ዓመት ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም 3 ደቒቕ 58 ሰከንድን 43 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው 2ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ፡፡

ሰገን ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ኣብቲ ርሕቐት ዘመዘገበቶ ሰዓት ትሕቲ 20 ዓመት ቅልጡፍ ሰዓት ዓለም ኮይኑ ተመዝጊቡ፡፡

ብተመሳሳይ ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ኣብ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ብ7 ደቒቕ 29 ሰከንድን 08 ማይክሮ ሰከንድን ብምዝዛም ከምዝተዓወተ ሓበሬታ ማራቶን ቦስተን የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment