ኣብ ብዙሓት ዓውዲታት ዝጠመተ ስምምዕነት ምስ ቻይና ምግባሩ ልዑል ዓወት ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)እዋን እፎይታ መኽፈሊ ልቓሕ ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ዓውዲታት ዝጠመተ ስምምዕነት ምስ ቻይና ምግባሩ ልዑል ዓወት ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ምስ ዝሳለጥ ዘሎ ጉባኤ ብሪክስ ጎኒ ንጎኒ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ኣብ ክልቲኣዊን ሃገራዊን ዛዕባ ጠመተ ዝገበረ ዘተ ኣሳሊጦም።

ናይ ዝቕፅል ዓመት ክፍሊትቨ ዕዳ ሓፈሻዊ ስራሕቲ ሽግሽግ ዕዳ ክሳብ ዝፍፀም ቻይና ንኢትዮጵያ ናይ ሓደ ዓመት እዋን እፎይታ ምሃባ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጦም።

ብተወሳኺ ኣብ ብዙሓት ዓውዲታት ስምምዕነት ምትሕብባር ከምዝተገበረ ብምግላፅ፥ እዚ ድማ ኣዝዩ ፅቡቕ ዓወት ኢዩ ኢሎም።

ብተመሳሳሊ  ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ዘቲዮም።

እቲ ዘተ ብፍላይ ኢትዮጵያ ናብ ጉጅለ ብሪክስ ምፅንባራ ስዒቡ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምብራኽ ዝዓለመ ኢዩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ብፖለቲካ፣ ግብርና፣ ቴክኖሎጂ፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን  ንምትሕብባር ተስማዕሚዖም።

እቶም ምትሕብባራት ልዕልናን ተደማፅነትን ኢትዮጵያ ዘርእዩ ኢዮም ኢሎም።

Comments (0)
Add Comment