ኣብ ብራዚል ብዝተፈጠረ ሓደጋ ውሕጅን ምግህማስ መሬትን ህይወት 30 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ብራዚል ዝወቕዐ ሓያል ማይ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ሓደጋ ውሕጅን ምግህማስ መሬትን ህይወት 30 ሰባት ምሕላፉ ተገሊፁ።

ኣብ ግዝኣት ሚናስ ጌራይስ ዝተፈጠረ እቲ ሓደጋ ውሕጅ፥ ክብቶም ዝሞቱ ሰባት ብተወሳኺ 17 ሰባት ኣብ ዝኣተዉዎ ከምዘይተፈለጠ ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋ ኣፍሊጦም።

ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ዝተመዝገበ መጠን ማይ፥ ኣብታ ሃገር ቅድሚ 110 ዓመት ንመጀመርታ ግዘ ሓያል መጠን ማይ ካብ ዝምዝገብ ንደሓር ልዑል መጠን ዘለዎ ኮይኑ ተመዝጊቡ።

ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ውሕጅን ምግህማስ መሬትን ልዕሊ 2 ሺሕን 500 ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ተገሊፁ።

ሰራሕተኛታት ምድሓን ነብሲ ድማ ብህይወት ናይ ዝተረፉ ሰባት ምትእልላሾም ቀፂሎም ኣለዉ።

ፍልፍል፦ ቢ.ቢ.ሲ

Comments (0)
Add Comment