ኣብ ብሪታኒያ ብሰንኪ ዝላባዕ ዘሎ ሓድሽ ዓሌት መልከፍቲ ቫይረስኮሮና ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ተዓፅየን ንክፀንሓ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ብሪታኒያ ኣብ ለንደን ዝርከባ ኩልን ናይ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ክጅምራ ኣብ ዝቀራረባሉ ዘለዋ እዋን  ተዓፅየን ክፀንሓ ወሲኑ።

ብሰንኪ እዚ ድማ ሕንፍሽፍሽ ምፍጣሩ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ዝተወሰደ ስጉምቲ፥ ኣብታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ልዑል መጠን ሓድሽ መልከፍቲ ቫይረስኮሮና ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላት ፀቕጢ ይፈጥር ብምህላው እዩ።

ሰብ መዚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ምዕፃው ናይ መወዳእታ ኣማራፂ ምዃኑን ትምህርቲ ቀዳምነት ከም ዝወሃቦን ሓቢሮም ነይሮም።

ሰልፊ ዕዮ ግና እቲ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ፣ መማህራንን ወለድን ልዑል ፀቕጢ ከም ዝፈጠረ እኳ እንተገለፀ፥ ማሕበር መማህራን ግና ኩሎም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕፀው ፀዊዑ።

ኣብ ብሪታንያ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ብቕልጡፍ ይላባዕ ኣብ ዝርከበሉ እዋን መዓልታዊ ቁፅሪ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣዝዩ ወሲኹ ኣሎ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላት ልዑል ፀቕጢ ክፈጥር ከም ዝኽእል’ውን ይግለፅ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ዓርባዕተ መዓልትታት ብተኸታታሊ መዓልታዊ ልዕሊ 50 ሺሕ ሓድሽ መልከፍቲ ቫይረስኮሮና ተመዝጊቡ ኣሎ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment