ኣብ ብሪታኒያ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝሞቱ ሰባት ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ምንካይ ኣርኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ብሪታኒያ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝሞቱ ሰባት ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ምንካይ ከምዘርኣየ ተገሊፁ።

ትማሊ ኣብ ዝነበረ ናይ ሰንበት ምስ ኣርባዕተ ናይ ሰንበት ሪፖርት እንትነፃፀር 61 ሚኢታዊ ከምዝነከየ ተሓቢሩ።

ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 49 ሰባት ህይወቶም ዝሓለፈ እንትኸውን፥ እዚ ቁፅሪ ድማ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዘተመዝገበ ትሑት ቁፅሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝስአእኑ ሰባት ዕድሚኦም ብማእኸላይ ካብ 50 ክሳብ 93 እንትኾኑ፥ ጎድናዊ ሕማም ዘለዎም ሰባት ብዋናነት ንሞት ከምዝቃልዑ ኢዩ ተሓቢሩ።

ይኹን እምበር ካሊእ ዝርገሐ እቲ ለበዳ ቫይረስኮሮና ክለዓል ስለዝኽእል፥ ልዑል ጥንቃቐ ከምዘድሊ ሓላፊ ብሄራዊ ስታቲስቲክስ ብሪታኒያ ፕሮፌሰር ሲርላን ዲያንድ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

እቶም ሓላፊ ከምዝበሉዎ፥ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ከምዝኾነ ኢዩ።

ፍልፍል፦ ሚረር

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment