ኣብ ቤጂንግ ኤምባሲ ኢትዮጵያን ኣብ ጉዋንዡ ቆንስላ ጀነራል ኢትዮጵያን ልኡኻት ምስ ምምሕዳር ክልል ጂያንግዢ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ቤጂንግ ኤምባሲ ኢትዮጵያን ኣብ ጉዋንዡ ቆንስላ ጀነራል ኢትዮጵያን ልኡኻት ምስ ምምሕዳር ክልል ጂያንግዢ ተዛቲዮም።

ብኣምባሳደር ፌዴሪኢ ኣብ ቻይና ተሾመ ቶጋ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ ዋና ኣመሓዳሪ ዪ ሊያንሆንግ ኢዮም ተዛቲዮም።

ኣብ ከተማ ማንቻንግ ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ዘተ፥ ከልቲኣዊ ርክብ ንምጥንኻር ዘኽእል ልዝብ ገይሮም።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሐ ዑደት ስራሕ ኣብታ ግዝኣት ዝገበረ እንትኸውን፥ ምስ ምክትል ዳይሬክተር እታ ግዝኣት ሁዋንግ ዚዎሮንግ እወን ተላዚቡ።

ኣብ ፃንሒቶም ድማ ትሕብብር ቱሪዝምን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢን ንምጥንኻር ተዛቲዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

Comments (0)
Add Comment