ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቻይና ቤጂንግ ካብ 29 ሓለ ክሳብ 2 ነሓሰ 2023 ዝወቕዐ ዝናብ ኣብ 140 ዓመታት ታሪኽ እታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘይፈልጥ ልዑል መጠን ዘለዎ ዝናብ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
እታ ከተማ ኣብ ሞንጎ ቀዳምን ረቡዕን 744 ነጥቢ 8 ሚሊ ሜትር መጠን ዘለዎ ዝናብ ከምዝተመዝገበ ቢሮ ሚቲዎሮሎጂ ቤጂንግ ኣፍሊጡ።
ልዑል መጠን ዘለዎ ዝናብ ክምዝገብ ዝኸኣለ÷ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣታት ቻይና ዝወቕዐ ታይፎን ዶክሱሪ ዝተብሃለ ኣውሎ ንፋስ ዝተሓወሶ ዝናብ ናብ ሰሜናዊ ግዝኣታ ቻይና ብምዛሩ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡
ኣብ ታሪኽ ቤጂንግ ልዑል መጠን ዘለዎ ዝናብ ከምዝወቕዐ ተመዝጊቡ ዘሎ÷ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 23 ክሳብ 29 ሓምለ 1883 ኣብ ዘለዉ መዓልቲታት 510 ነጥቢ 3 ሚሊ ሜትሮ ከምኡ እውን 23 ሓምለ 1891 ድማ 609 ሚሊ ሜትሮ ከምዝነበረ ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com