ኣብ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ሓሳብ ኤች ኣር 6600 ወገናውነት ዝተረኣየሉ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ሓሳብ ኤች ኣር 6600 ትኽክል ዘይኮነን ወገናውነት ዝተረኣየሉ ከምዝኾነ ቤት ምኽሪ ዜጋታት ኢትዮጵያውያ ኣሜሪካውያን ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ኢትዮጵያ ህንፀት ሰላምን ዴሞክራሲን ንምሕጋዝ ብዝብል ኤች ኣር 6600 ዝተብሃለ ውሳነ ሓሳብ ኣመሓላሊፉ ኢዩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ዜጋታት ኢትዮጵያውያ ኣሜሪካውያን ዲያቆን ዮሴፍ ተፈሪ እቲ ውሰሳነ ሓሳብ ህወሓት ንምትራፍ ዝደልዩ ወገናት ዘዳለዉዎ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ውሳነ ሓሳብ ዋላ እኳ ኢትዮጵያ ንምርግጋእን ኣብ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲ ንምዕሳል ዝብል ስያመ ይወሃቦ እምበር ቀንዲ ዕላምኡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምግባር ከምዝኾነ ገሊፆም።

ነቲ ውሳነ ሓሳብ ዝፀሓፉን ዝደገፉዎን ኣካቢ እቲ ኮሚቴ ግሬገሪ ሚክስ ሓዊሱ ካልኦት ውልቀሰባት ንህወሓት ዘለዎም ወገናውነት ዘርእዩ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

እቲ ዝተሰናደአ ውሳነ ሓሳብ ህወሓት ንምድጋፍ ዝተዳለወ ትልሚ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

የውሳኔ ኃሳቡን ያሳለፉት ሰዎች ከሕወሃት ተከራካሪዎች (ሎቢስቶች) ጋር ከፍተኛ ቁርኝት እንዳላቸውና የገንዘብም ድጋፍ እንደሚደረግላቸው መረጃዎች እየወጡ መሆኑን ጠቁመዋል።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Twitter (https://twitter.com/fanatelevision)

FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision) | Twitter

The latest Tweets from FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision). Radio Fana

Comments (0)
Add Comment