ኣብ ቤት ማእሰርቲ የመን ብዝበፅሐ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ህይወቶም ሓሊፉ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤት ማእሰርቲ የመን ብዝበፅሐ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቓል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሃቡዎ ሰሙናዊ መግለፂ፥ በቲ ሓደጋ ህይወቶም ዝሓለፉ ኢትዮጵያውያን ትኽክለኛ ቁፅሪ እናተፃረየ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ኦማን ከተማ ሙስካት ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ እውን ነቲ ጉዳይ ብቐረባ እናተኸታተሎ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ምስ ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት ብምትሕብባር ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ካብቲ ከባቢ ንምውፃእ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝርከብ እውን ኣብረሆም።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ 733 ኢተዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣብ መግለፂኦም ኣፍሊጦም።

ብፋሲካው ታደሰን ይስማው ኣደራው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment