ኣብ ቤት ህንፀት ቃሊቲ ንጃዋር መሓመድ ሲምካርድ ሞባይል ንኸቕብል እንትፍትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ዋሕስ ተፈቒዱሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤት ህንፀት ቃሊቲ ንጃዋር መሓመድ 4 ሲምካርድ ሞባይል ንኸቕብል እንትፍትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ዋሕስ ተፈቒዱሉ።

ተጠርጣሪ ሃምዛ ጀማል፥ ሓደ ብሽም ትካል omnን 3 ብሽም ውልቀ ሰብን ዝወፅኡ ሲምካርዲታት ንጃዋር መሓመድ ከቕብል ክብል ብዋርዲያ እቲ ቤት ህንፀት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ተባሂሉ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምርመራ እናተገበረሉን ልዕሊ 4 ግዘ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበን ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ምርመራ መርማሪ ፖሊስ ካብ ቤት ህንፀት ቃሊቲ ቃል መሰኻኽር ምቕባሉን እቲ ሲም ካርድ ብመን ሽም ከምዝወፅአ ካብ ኢት ቴሌኮም መረዳእታ ምእካቡን ገሊፁ ነይሩ፡፡

እቲ መዝገብ ምርመራ ዓቃቢ ሕጊ እናተመልከቶ ከምዝኾነን ተወሰኽ መሰኻኽር ንምቕባል ተወሳኺ መዓልቲታት ምርመራ ሓቲቱ ዝነበረ እንትኸውን፥ ጠበቓ ተጠርጣሪ እኹል እዋን ተዋሂቡ ኢዩ ተወሳኺ እዋን ምሕታቱ ግቡእ ኣይኮነን ክብል ተቓዊሙ፡፡

ቤት ፍርዲ እውን መርማሪ ፖሊስ ዝሓተቶ እዋን ቆፀሮ ተወሳኺ ግዘ ንመሃብ ዘእምን ምኽንያት ኣይኮነን ክብል ኣይተቐበሎን፡፡

ክሳብ ሕዚ ዝተውሃቡ መዓልቲታት ምርመራ እኹላት ኢዮም ክብል ተጠርጣሪ ብር 3 ሺሕ ዋሕስ ኣትሒዙ ክብ መፅሒ ንኽፍታሕ ዋሕስ ፈቒዱ፡፡

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment