ኣብ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ 3 ጋንታታት ውሳነ ቅፅዓት ተመሓላሊፉወን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ግድፈት ዲሲፒሊን ኣብ ልዕሊ ዝፈፀማ 3 ጋንታታት ውሳነ ቅፅዓት ከምዘመሓላለፈ ኮሚቴ ዲሲፒሊን እቲ ሊግ ተገሊፁ።

ውሳነ ቅፅዓት ዝተመሓላለፈለን

ውሳነ ቅፅዓት ዘተመሓላለፈለን ጋንታታት ድሬዳዋ ከተማ፣ ሃዲያ ሆሳእናን ወላይታ ዲቻን እንትኾና፥ ደገፍተን ኣብ ሜዳ ብዘርአዩዎ ዘይተገበአ ተግባር ቅፅዓት ንኽመሓላለፈለን ምኽንያት ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ሃዲያ ሆሳእና ብጋንታ ጅማ ኣባጅፋር 4 ን 2 ኣብ ዝተሰዓረትሉ ፀወታ ከምኡ እውን ወላይታ ዲቻ ምስ ጋንታ ኣዲስ ኣበባ ከተማ ኣብ ዝገበረቶ ፀወታ ደገተን ንዋና ዳይና እቲ ዕለት ፀያፍ ፀርፊ ብምፅራፎም ኮሚቴ እቲ ሊግ ብዝቐረበሉ ፀብፃብ ከምዘረጋገፀ ኣፍሊጡ፡፡

እተን ጋንታታት ኣብ መበል 11 ሰሙን ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ንዘርአየኦ ግድፈት ስዒቡ ሕድሕደን 75 ሺሕ ብር ቅፅዓት ተመሓላሊፉለን፡፡

ብተመሳሳሊ ደገፍቲ ጋንታ ድሬዳዋ ከተማ ብዝፈፀሙዎ ተመሳሳሊ ተግባር እታ ጋንታ 50 ሺሕ ብር ንኽቕፃዕ ከምዝተወሰነሉ ሶከር ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment