ኣብ ቤተ መንግስቲ ቡምባ ዝድርብዩ ኣባላት እናመልመሉ ዝነበሩ ውለቀ ሰባት ክሶም ንኽመሓየሽ ውሳነ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብር 1 ሚሊየን ክንህበኩም ብምባል ኣብ ቤተ መንግስቲ ቡምባ ዝድርብዩ ኣባላት እናመልመሉ ነይሮም ኣብ ልዕሊ ዝተብሃሉ ሰለስተ ውለቀ ሰባት ዝቐረበ ክሲ ንኽመሓየሽ ውሳነ ተዋሂቡ።

ክሲ ንኽመሓየሽ ብይን ዘሃበ ድማ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ ልደታ ካልኣይ መጋባእያ ጉዳያት ገበን ፀረ ሕገመንግስቲን ግብረ ራዕዲን ኢዩ።

ሕዳር 2013 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፈተነ ገበን ግብረ ራዕዲ ፈጢሮም ተባሂሎም ክሲ ቀሪቡዎም ዝነበሩ ተኸሰስቲ፤ 1ይ ተኸሳሲ ኣለማየሁ ፈይሳ 2ይ ጣሂር ኣደምን 3ይ ዳንኤል ሰለሞንን ኢዮም።

ኣብ ልዕሊ ተኸሰስቲ ቀሪቡ ዝነበረ ክሲ ዓቃቢ ሕጊ ከምዘመላኽቶ፥ ብ1996 ዓ.ም ዝወፅአ ገበን ሕጊ ዓንቀፅ 32ን ኣብ 2012 ዓ.ም ዝወፅአ ኣዋጅ ፀረ ግብረ ራዕዲን ብምጥሓስ ዝብል ኢዩ።

ተኸሰስቲ ኣብ ዝቐረበሎም ክሲ መቃወሚ ኣቕሪቦም።

ኣብ መቃወሚኦም ከምዝተሓበረ ድማ ብጉጅለ ተፈፂሙ ተባሂሉ ዝቐረበ ክሲ ግቡእ ሕጊ ዘይብሉ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ተመልሚሎም ዝተብሃሉ እኒመን ከምዝኾኑን መዓዝ ከምዝኾነን ኣይተገለፀን ክብሉ ነቲ ዝቐረበሎም ክሲ ንኽንፀግ ብፅሑፍ ኣብ ዘቕረቡዎ መቃወሚ ኣብሪሆም።

ዓቃቢ ሕጊ 30 መጋቢት 2013 ዓ.ም ብፅሑፍ ኣብ ዘቕረቦ መልሲ መቃወሚ ክሲ፥ እቲ ክሲ ግቡእ ከምዝኾነ ብምፅራሕ ምስጉጅለ ኣባ ቶርቤን ኦነግ ሰኔን ከምዝሰርሑ ኣመላኺቱ።

ኣብ ቤተ መንግስቲ ቡምባ ዝድርብዩ ኣባላት እናመልመሉ ምርካቦም ስዒቡ ንሕጊ ገበን ስለዝጠሓሱ ዝቐረበ ክሲ ግቡእ ኢዩ ክብል ኣብ ዘሃቦ መልሲ ኣብሪሁ።

መቃወሚ ክሲን ምላሽ ዓቃቢ ሕጊን ዝመርመረ መጋባእያ ብግድኡ፥ እቲ ዝቐረበ ክሲ መሰል ምክልኻል ተኸሰስቲ ዘፅብብ ኢዩ ክብል ተኸሰስቲ ተመልሚሎም ዝተብሃሉ ኣባላት መዓዝ ከምዝኾነ፣ እኒመን ከምዝኾነ፣ ንመጥቃዕቲ ተፈሊዮም ዝተብሃሉ ትካላት መንግስቲን ሰራሕተኛታትን እኒመን ከምዝኾኑ ብሽም ተገሊፁ እቲ ክሲ ተመሓይሹ ንኽቐርብ ብይን ሂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment