ኣብ ቤልግሬድ ውድድር ጉያ ውሽጢ ገዛ ደቂ ኣንስትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምውፃእ ተዓዊተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤልግሬድ ውድድር ጉያ ውሽጢ ገዛ ዓለም 2022 ምሸት 4:35 ብደቂ ኣንስትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ዝተገበረ ውድድር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምውፃእ ተዓዊተን።

ኣብቲ ውድድር ኣትሌትጉዳፍ ፀጋይ ቀዳመይቲ ብምውፃእ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኣ።

ኣትሌትጉዳፍ ፀጋይ 3:57.19 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታውን ናይቲ ውድድር ክብረወሰን ብምስባርን እያ ተዓዋቲት ኮይና።

ኣክሱማዊት እምባዬን ሂሩት መሸሻን ካልአይቲን ሳልሰይቲን ብምውፃእ ሜዳልያ ብሪን ነሓስን ረኺበን።

ኣብ ታሪኽ ውድድር ጉያ ውሽጢ ገዛ ዓለም፥ ሓንቲ ሃገር ኣብ ሓደ ውድድር ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምውፃእ ኩሎም ሜዳልያታት እንትትወስድ ንፈለማ እዋን እዩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment