ኣብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዝነበረ ፀገም መጥቃዕቲ ሳይበር ከምዘይኮነ ተመልኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)7 መጋቢት 2016 ዓ.ም ኣብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዝነበረ ፀገም መጥቃዕቲ ሳይበር ከምዘይኮነ ምምሕዳር መርበብ ሓሬታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ምስቲ ጉዳይ ተተሓሒዙ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ÷ “ብዝተገበረ ምርመራ እቲ ባንኪ ንዝፍነዉሉ መጥቃዕቲ ሳይበር ኣቐዲሙ ንምክልኻ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘለዎ ተረጋጊፁ ኢዩ” ኢለን፡፡

ኣብዚ ሰሙን ፀገም ንኸጋጥም ምኽንያት ዝኾኑ ጉዳያት ብምርመራ ከምዝተፈለዩ ሓቢረን፡፡

ብመሰረት እዚ እቲ ባንኪ ኣብ ሞባይል ሲስተሙ ብዝገበሮ ናይ ምምሕያሽ ስራሕ ዘጋጠመ እምበር መጥቃዕቲ ሳይበር ከምዘይኮነ ገሊፀን፡፡

እቲ ባንኪ ሲስተም ጃር ፍይል ሶርስ ኮድ (JAR Files Source Code) ብምውሳድ ብዝገበሮ ምርመራ ቅደም ሰዓብ ፕሮግራሚንግ ወይ እውን ሎጂካል ፍሰቱ ዝተዛበዐ ኮይኑ ከምዝረኸቦ ፀሪሐን፡፡

በቲ ሲስተም ገንዘብ ዘውፅኡ ዓማዊል እቲ ባንኪ ገንዘብ እንተውፅኡ ክንኪ ዝነበሮ መጠን እንተይነከየን ቫላንስ ንምስራሕ ወይ እውን ንምምዝዛን ምቹው ኩነታት እንተይተፈጠረ ክፍሊት እናፈፀመ ከምዝነበረ ከምዝተረጋገፀ ኣልዒለን፡፡

ብምዃኑ ድማ እቲ ባንኪ መጥቃዕቲ ሳይበር ከምዝበፅሖ ዝናፈስ ሓበሬታ ዝተሰሓሓተ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ኣብ ቀፃ ተወሳኺ ምርመራታትን ስራሕቲ ፎረንሲክ ብምውጋን ውፅኢት ንሕብረተሰብ ከምዝግለፅ ኣመልኪተን።

ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝፍነዉ መጥቃዕቲ ሳይበር ንምክልኻልን ድሕንነት ትካላትን ንምሕላው ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝርከብ ሓቢረን፡፡

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment