ኣብ ባንኪታት ዘሎ መጠን ሒሳብ ቁጠባ ዓማዊል 1 ነጥቢ 6 ትሪሊየን በር ከምዝበፅሐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ባንኪታት ዘሎ መጠን ሒሳብ ቁጠባ ዓማዊል 1 ነጥቢ 6 ትሪሊየን ብር ከምዝበፅሐ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ኣብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ሱፐርቪዥን ፍሬዘር ኣያሌው፥ እቲ ቁጠባ ዓማዊል በቲ ዝድለ ኣይበፅሐን ኢሎም።

ይኹን እንበር ኣዝዩ እናተመሓየሸ ከምዝመፅአ ብምሕባር፥ ክሳብ ወርሒ መጋቢት 2014 ዓ.ም ኣብ ባንኪታት ዘሎ መጠን ሒሳብ ቁጠባ ዓማዊል 1 ነጥቢ 6 ትሪሊየን ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

ብሓፈሻ እተን ባንኪታት ዝሃብኡ መጠን ልቓሕ 1 ነጥቢ 5 ትሪሊየን በር እንትኸውን፥ ቁፅሪ ተለቃሕቲ ድማ ልዕሊ 350 ሺሕ ከምዝበፅሐ ኣብሪሆም።

ተበፃሕነት እቲ ልቓሕ ብኣብዝሓ ንዓበይቲ ተለቃሕቲ ዝተውሃበ ከምዝኾነን ውስንነት ከምዘለዎን እውን ኣረዲኦም።

ብፍላይ ኣብ ሕርሻ፣ ደኣንት ንዝተዋፈሩ ከምኡውን ኣናእሽቱ ኣታዊ ንዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ዝተውሃበ ልቓሕ ትሑት ብምኻኑ ንቐፃሊ ትኹረት የድሊዮ ኢሎም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment