ኣብ ባንኪታት ኢትዮጵያ ብዘነፃፀረ ገበን ምጭብርባር ልዕሊ 1 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ከም“ዝተመዝበረ” ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ ባንኪታት ብዘነፃፀረ ገበን ምጭብርባር ልዕሊ 1 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር  ከም“ዝተመዝበረ”  መፅናዕቲ ሚኒስቴር ፍትሒ ተገሊፁ።

ካብ 2009 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ እቲ መፅናዕቲ ልዕሊ 370 ቢሊየን ብር ኣብ ባንኪታት ፈተነ ምብዝባዝ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

እቲ መፅናዕቲ ስዒቡ ሚኒስቴር ፍትሒ፣ ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዶክተር ይናገር ደሴን ፕሬዚዳንታት ዝተፈላለያ  ባንኪታትን፣ መዳርግቲ ኣካላት ዝተፈላለያ ትካላትን ዝተረኸብሉ ዘተ ይግበር ኣሎ።

ብዛዕባ እቲ ገበን ኣፈፃፅምኡ ብምልላይ መፍትሒ ሓሳባት ንምቕራብ ዓሊሙ ብሚኒስቴር ፍትሒ ዝቐረበ መፅናዕቲ ኢዩ።

ምጭብርባር ባንኪ ካብ ዝተፈፀመሎም ባንኪታት እቲ 961 ሚሊየን ብር ኣብ ባንኪ ንግዲ ኢትየዮጵያ ዝተፈፀመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣስታት 329 ሚሊየን ብር ኣብ ባንኪ ኣቢሲኒያ፣ 162 ሚሊየን ብር ኣብ ባንኪ ኦሮሚያ ዝተፈፀመ ኢዩ ተባሂሉ።

 

ብፀጋዬ ወንደሰን

Comments (0)
Add Comment