ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ኣብ ባህርዳር ዝተሓምሸሸት ኮነ ፀገም ዘጋጠማ ሄሊኮፕተር ከምዘየላ ሚኒስቴር ምክልኻል ኣፍሊጡ።
እቲ ሚኒስቴር ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ካብ ሞንጎ ዘለዉዎ “ቤዛት” ሓደ ዝኾነ ምድብ ኣብ ባህርዳር ዝርከብ ምዕራብ ምድብ ኣየር ከምዝኾነ ኣልዒሉ፡፡
ትማሊ ብዝነበረ ልምምድ ምድብ ሓይሊ ኣየር ምኽንያት ስሩዕ በረራ መገዲ ኣየር ንሒደት እዋናት ተቛሪፁ ከምዝነበረ እውን ኣዘኻኺሩ።
ይኹን እምበር ዝተወሰነ ናይ ተሳፈርቲ ምትእጉጓል መገዲ ኣየር ከም ኣጋጣሚ ብምፅራሕ ሄሊኮፕተር ተበላሺያ፣ ተሓምሺሻ ብዝብል መደናገሪ ሓሳብ ኣብ ሓደ ሓደ ማሕበራዊ ሚዲያ እናተጋወሐ ይርከብ።
ስሩዕ በረራ ንዝተወሰነ እዋን ተቛሪፁ ዝነበረ ብግቡእ መገዲ ስራሕ ዝጀመረ እንትኸውን÷ ምድብ ምዕራብ ኣየር እውን ልምምዱ ዕዉት ብዝኾነ መገዲ ከምዝዛዘመ ተገሊፁ።
“ሕዚ እናተርኣየ ዝርከብ ምናልባት እውን ኩለመዳይ ዓቕሚን ፕሮፖጋንዳ ምኽሳርን ምሕምሻስን እንድሕር ዘይኮይኑ ዝተሓምሸሸት ሄሊኮፕተር የላን” ክብል ኣፍሊጡ።